ህዝባዊ ቁጠዐ ኣብ እምባስነይቲ- ክልል ትግራይ

  • 8 years ago
ህዝባዊ ቁጠዐ ኣብ እምባስነይቲ- ክልል ትግራይ

VOA - ብኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ እምባስነይቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንመንግስቲ ዘቕረብናዮ ሕቶ ግቡእ ምላሽ ኣይረኸበን ብዝብል ቁጠዐኡ ትማሊ ብሰላማዊ ሰልፊ ገሊፁ።

ናይ ቀደም ወረዳና ወረዳ እምባስነይቲ ይመለሰልና ዝብል ሕቶና ቅኑዕ መልሲ ተዘይረኺቡ ካብ ወረዳ ክሳብ ሃገራዊ ባይቶ ዝወከልናዮም ሰባት ውክልናና ዘልዐልና ምዃንና ነፍልጥ’ውን ይብል ኣቲ ህዝቢ ብወከልቱ ኣቢሉ።

ካብ ነባራት ተቓለስትን ዓበይቲ ዓዲን ሃለቃ ሃይለዝጊ ገብረማርያም ህዝቢ ትግራይ ምስ ውድብ ህወሓት ዕረቐና፤ ህወሓት ኣድና ትምለሰልና ተዘየለ ግና ኣይውድብናን ክብሉ ኣምሪሮም ተዛሪቦም።

Recommended